ምኽርታት ብዛዕባ ብዛዕባ ንምግቢ ንዝነውሐ ግዜ ሓድሽን ዝብላዕን ገይርካ ምዕቃቡ
-
ፍርጅ፥ ኣብ +5 ዲግሪ ዝተስተኻኸለት።
- ላዕለዋይ መደርደርያ ፎርማጆ፡ ተረፍ መረፍ፡ ኣጉርሲታት፡ ወዘተ
- ማእከላይ መደርደርያ ጸባ፡ ርግኦ፡ ክሬም ወይ ላህመት ዘለዎ ነገር፡ ፎርማጆ ርግኦ
- ታሕተዋይ መደርደርያ ስጋ፡ ግዕዝማት፡ ዓሳ
- ናይ ሰላጣ ተመዛዛይ ሰላጣን ከምኡ'ውን ንዛሕሊ ተነቀፍቲ ዘይኮኑ ኣሕምልትን ፍረታትን
- ማዕጾ ጠስሚ፡ እንቋቑሖታት፡ መረቓት፡ ማዮነዝ፡ ሰናፍጭ፡ ማርመላታ፡ መስተታት
-
ተረፍ መረፍ፥
ተረፍ መረፍን ገለ ክፋሉ ዝተጠቀምካሉ ናይ ታኒካ ምግብታትን ኣብ ስጡም ኣየር ዘየዝልቑ መትሓዚታት ኣቐምጦምን ኣብ ፍርጅ ከዝኖምን።
Bundeszentrum für Ernährung © BLE
-
መኸዘኒ ከብሒ – ጸላም፡ ዝሑል፡ ንቑጽ
- ዝተኸፍቱ ከረጢታት ካዕካዕ፡ ሓርጭ፡ ኣጃ፡ ቃቖ-ዕፉን፡ ወዘተ ብጽቡቕ ዕጸዎም፣ ናብ ስጡማት ኣየር ዘይዝልቑ መትሓዚታት እንተኣሰጋገርካዮም ድማ ይምረጽ። እዚ ድማ ባልዕ ኣትዮም ነቲ ምግቢ ከየበላሽውዎ ይከላኸል።
- ድንሽ (ጥረ ብፍጹም ኣብ ፍርጅ ዘይምቕማጥ)
- ዘይቲ፡ ኣቸቶ፡ ቀመማት
- ማርመላታታት (ከይተኸፍቱ)
- ባኒ (ኣብ ፍርጅ ንዝነውሐ ግዜ ከይነቐጸ ዝጸንሕ'ኳ እንተኾነ፡ ግን ቀልጢፉ ዓሳው ይኸውን)
-
“ክሳብ'ዚ ዕለት ተጠቐመሉ” – “ቅድሚ እዚ ዕለት'ዩ ዝበለጸ”
- “ክሳብ'ዚ ዕለት ተጠቐመሉ"፥ እዚ ዕለት'ዚ እንተሓሊፉ፡ እቲ ምግቢ ድሕሪ ደጊም ክብላዕ የብሉን: ኣብ ስጋ፡ ውጽኢታት ስጋን ዓሳን።
- “ቅድሚ እዚ ዕለት'ዩ ዝበለጸ”፥ እቲ ኣፍራዪ ክሳብ'ዚ ዕለት'ዚ ናይ ዓይነት ጽቡቐ የረጋግጽ። ከም ሕጊ፡ እቲ ምግቢ ገና ክሳብ ነዊሕ ድሕሪ እዚ ዕለት'ዚ ክብላዕ ይኽእል'ዩ። ብኣዕይንትኻን ኣፍንጫኻን ገይርካ መርምሮ።
Weitere Informationen:
Zu Einkaufen und Essen unter
www.sge-ssn.ch
Zu Konsumentenfragen unter
www.konsumentenschutz.ch
Zu Fragen rund um die Gesundheitsförderung unter
www.gesundheitsfoerderung.ch
PDF
Dieses Merkblatt wurde mit fachlicher Mithilfe der Schweiz. Gesellschaft für Ernährung SGE und finanzieller Unterstützung von Gesundheitsförderung Schweiz und FemmesTische Schweiz erstellt.
Bern/Zürich 2019